1984

€19.99

 

1984

€19.99
Quantity
 
 
Buy now
 

 

 

ብዛዕባ 1984
ኣብ ዓለምና፡ ምልኪ ኽለዓል ከሎ እትለዓል መጽሓፍ ብጆርጅ ኦርወል ዝተጻሕፈት "1984" እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ መጻኢ፡ ምልካውያን ስርዓታት ንኸስፋሕፍሑ እንተ ፈቒድናሎም ዘጋጥመና ሽግራት ብብሉጽ ስነጥበባውን ስነፍልጠታውን መገዲ ተርኢ። ንምልኪ ብቕሉዕ መገዲ ስለ ተቕርቦ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከይትሽየጥን ከይትትርጐምን ተኣጊዳ ትርከብ፣ ሒዞማ ዝተረኽቡ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኖም እዮም። 1984፡ ናብ ልዕሊ 65 ቋንቋታት ተተርጒማ። ናብ ቋንቋ ትግርኛ ድማ ግዜኣ ኣኺሉ ተተርጒማ'ላ።
ኣብዛ መጽሓፍ፥ ብዛዕባ ኣባጅጎ ኸተንብብ ከለኻ፡ ብዛዕባ ኢሳያስ ተንብብ ዘለኻ ኮይኑ ይስምዓካ፣ ብዛዕባ ራዘርፎርድን ካልኦት ዝሓቐቑን ከተንብብ ከለኻ፡ ኩሎም'ቶም ንድሕሪት ዝተገድፉን ካብ ታሪኽ ክድምሰሱ ዝጸዓረሎምን ጀጋኑና ይዝከሩኻ፣ ብዛዕባ ርሂጸበላዓትን ናብራኦምን ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ ጭቁን ህዝብና ይቕጀለካ፣ ብዛዕባ ሚኒስትሪ ፍቕርን ኣብኡ ዝፍጸም ስቓይን ከተንብብ ከለኻ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣብያተስቓይ ሃገርና ይረኣየካ፣ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሺያንያ መዓልታዊ ዝፍኖ ፕሮፓጋንዳ ኸተንብብ ከለኻ፡ እቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ናይ ምድምሳስን ምትካእን መስርሕ ትዝ ይብለካ፣ ብዛዕባ'ቲ ኦሺያንያ ተካይዶ ዘየቋርጽን ወትሩ ተቐያያርን ኲናት ከተንብብ ከለኻ፡ እቲ "ኣይሰላም ኣይኲናት" ዝብል መዝሙር ይርብሸካ፣ ብዛዕባ'ቲ ኣንጻር ኣባጅጎ ዝብገስ ዊንስተን ከተንብብ ከለኻ ድማ ንነብስኻ ኣብ ቦታኡ ኣእቲኻ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ክትቃለስ ይሰኣለካ።
ኤርትራውያን፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ነሕልፎ ዘለና ህይወት ብመልክዕ "1984" ተዘንትዩ ኽንረኽቦ ኢና። ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብና፡ ንኣና ኢላ ዝተጻሕፈት ኮይኑ ኽሳዕ ዝስምዓና ኸነስተንትን ኢና። ሳላኣ፡ ንሽግራትና ብሓድሽ ኣጠማምታ ኽንጥምት፡ ምናልባት ከኣ ገለ ትምህርቲ ንቐስም ንኸውን። ነጠማምታና ዳግመ-ግምት እንተ ጌርናሉ' ውን ዓቢ ስጒምቲ ንቕድሚት እዩ። ከምቲ ኦርወል ዝበሎ፥ "ኣብ ዘመነ ምትላል፡ ሓቂ ምዝራብ ሰውራዊ'ዩ።"