ሓጺር ሌላ

ሓጺር ሌላ ብዛዕባይ

ቅድሚ ብዛዕባ ትካለይን መደባተይን ምሕንጣጠይ፡ ብዛዕባይ ገለ ቅሩብ ጭራ ብርሃን ክህብ። ስመይ የራን ሓጎስ ይበሃል፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊደ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮንኩ ከም ሰበይ ተሰዲደ መጺኤ ዝጠሓስ ጥሒሰ ብሰላም ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣትየ ሕጂ ድማ ኣብዚ ምስ ስድራይ ይነብር ኣለኩ።

ጠባያተይ

ከም ሰብ ሕውስ፡ ተሓጋጋዛይ፡ ሰሓቂ፡ ኣብ ዕላምኡ ጽኑዕ፡ ክሉ ግዜ ህንጡዩነት ዕብየት ህርፋን ትምህርቲ ዘለዎ፡ ክሉ ግዜ ዝሓሸ መንገዲ ኣሎ በሃሊ ዘይዓግብ፡ ብፍላይ ድማ ብዕላምኡ ምኩሕን ነቃጽን ግድን ክኸውን ኣለዎ በሃሊ፡ ሓላፍነት ዝስከም፡ ንጹሩነት ዝፈቱ።

ዕላማን ቐረባትን

ተሞኩሮ

እንታይ ዓይነት ተሞኩሮ ወይ ሞያ ኣለካ?

Typ hትምህርተይን ተመኩረይን ኣብ ኤርትራ ኮለኩ ክሳብ 9 ክፍሊ በጺሐ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ቁጽሪ ክላስ እምበር ካብ ምጽሓፍ ምንባብን ምቁጻርን ሓሊፍካ ዝተማላእክዎ ብልሕን ፍልጠትን ኣሎ ክብል ኣይደፍርን እየ። ኣብዚ ምስ መጻእኩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንቅሓትን ዕብየትን እንዳ ኣምጻእኩ መጺአ፡፡ ብኡኡ መንጽር ሞያ ክመሃርን ብርእሰ ተኣማንነት ካልእ ካልእ ክገብርን ድፍረትን ክእለትን ረኺበ፡፡ ይገብር ድማ ኣለኩ ብኡኡ መንጽር ድማ ኣምላክ ይመስገን ኣብ ጽቡቅ መነባብሮ ይነብር ኣለኩ።
ከምዚ ስለ ዝኮነ ድማ ድሕሪ ቋንቋ ምዝዛመይ
2 ዓመት ዓበይቲ ናይ ምሕጋዝ ተማሂረ፡
ብድሕሪኡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ደይበ፡ ብዓብዩ እዚ ዝገብሮ ዘለኩ ናይ
ኣሰልጣኒ ቅዲ ህይወት (lifestyle coach) ሞያይ፡
ብመምህር ስዒድ ሳልሕ ድማ ኣብ 2020 ስነ-ጽሑፍን ኣብ 2022 ጽሑፈ-ፍሊም ክልተ ግዜ ትምህርቲ ወሲደ
ብ michael pilarczyk ናይ Nederland ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ኣብ ቅዲ ኣነባብራ ሂወት፣ ኣተሕእሳስባ፣ ዓወት ወዘተረፈ,,,,ካብ 2023 -2024 ንክልተ ዓመት በበዋርሕ ተማሂረ። 
ተወሳኺ ካልእ ኮሩሳት ናይ ብዚነስን ውልቃዊ ዕብየተን ካልእ ካልእ ኣብ 6 ወርሒ ግድን 1 ይወስድ እየ። ኣብ ናጻ ግዜይ ኣብ ትርፉ ግዜይ ስፖርት (gym)፡ ብእግርኻ ምጉዓዝ፡ ምንባብ፡ ንበይንኻ ምዃን፡ ምስ ስደራ፡ ካራተ ትምህርቲ (jiu jitsu)፡ ወዘተረፈ ክገብር ይፈቱ ይገብሮ እየ ውን።

ዕላማ

ዕላማ ናይዚ ዱኳን እንታይ እዩ?

ዕላማይ  ናይዚ ዱኳን ዘውጻእክሉ መኽንያት ኣነ ኣንቢበ እቲ ምሳይ ዘሎ ፍቅሪ ንባብ ናብ ሰባት ከምሓላለፍ፡ ነቲ ኣብ ከባብየይ ዘሎ ፍቅሪ ንባብ ዘለዎ ብቀረባ ክረኽቦ ነቲ እንዳ ደለየ ዘይረክብ ክረክብ፡ ነቲ ከንብብ ክጅምርን ክመሃርን ዝደሊ ክሕግዝ፡ ብሓጺሩ ኣነ ተማሂረ ትምህርተይ ከመሓላልፍ፡ ኣነ መደባይ ሰሪዐ ነቶም ኣብቲ ቅድሚ ገለ ዕዓመታት ኮለኩ ብሰንኪ መደብ ዘይምስርዐይ ግዜይ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘጥፍኦ ዝነበርኩ፡ ዘጣዕሰኒ ሰባት ከይደግምዎ ካብ ተሞኩረይ፡ ትምህርተይ ብውልቂ ይኹን ብሓባር በዚ ከመሓላልፍ። ብዓብዩ ድማ ነቲ ኣብ 3ይ ዓለም ተባሂሉ ምስ ዓይነ ልቦናናን ይእምሮናን ኮለና ግና ብድሕሪት ንቆጸረሉ ዘለና ዘይመንቀሒና ምኽኒት፡ ናብ ነበረ ክተርፍን መንእሰይ ክመሃር፡ መንእሰይ ከንብብ፡ መንእሰይ ክነቅሕ፡ መንእሰይ ክበልሕ፡ መንእሰይ መስዋእትን ሓላፍነትን ክስከም፡ ኣለዎ ዝብል ሞራለን ሓቦይን ብዓቅመይ ካብቲ ዝተመሃርክዎን ዘንበብክዎን፡ ዝወሰድክዎ ብውሊቂ ይኹን ብሓባር ኮርሳት ገለ ከወፊ ኣገዲድኒ። Typ hier