እቲ ዝበለጸ ነጋዳይ ኣብ ዓለም

€18.99

ነፍሲወከፍ ትውልዲ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ናይ ስነ-ጽሑፍ ጅግና የፍሪ። እዞም ጀጋኑ እዚኦም ናይ ኣንባቢ ህይወት ንምቕያር ሓይሊ ኣለዎም። ስለ ዝዀነ 'እቲ ዝበለጸ ነጋዳይ ኣብ ዓለም' እትብል መጽሓፍ፡ ህይወት ናይ ብዙሓት ሰባት ንምልዋጥ በቒዓ እያ። ኣንበብቲ፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋኦም ንምውዓል ካብ ዝበቕዑ ውሑዳት መጽሓፍቲ፡ መጽሓፍ 'እቲ ዝበለጸ ነጋዳይ ኣብ ዓለም' ሓንቲ ካብ'ተን ማእለያ ንዘይብሎም ሕይወትን ናብራን ናይ ደቂ-ሰባት ዘቃንዐት እያ።ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመት ሓላዊ ኣግማል ዝነበረ ሓፌድ፡ ቀስ ብቀስ ብዘገርም ናይ ለውጢ ኣካይዳ ዝበጽሖ ደረጃኡን መነባብሮኡን ኣብ'ዛ መጽሓፍ ጎሊሑ ይርአ።

ንጴጥሮስ፡ ነቲ ተፈጥሮ ዝለገሰትሉ ዓሚቚ ክእለቱ ንምምሕያሽን ንምምዕባልን፡ ካብ ዘለዎ ድሌት ብምብጋስ ዓብይ ናይ ሲራራ ነጋዳይ ንምዃን ምስ ለመኖ፡ ንመፈተኒ ሓደ ደርዘን ልብሲ ኣብ ኣድጊ ጽዒኑ ብምሃብ፡ ናብ ቤተልሄም ሰደዶ።

እቲ ዝተለኣኸ መንእሰይ፡ ነቲ ኣልባሳት ናብ ገንዘብ ክልውጦ ኣይከኣለን። ዝጸዓሮ ኹሉ ፍረ ኣይተረኽቦን ። ሃንደበት ግን ኣብ ጫካ ናይ ቤተልሄም፡ ኣብ'ታ ዕለት ዝተወልደ ናጽላ ህጻን ኣብ መብልዒ ከብቲ ዕርቃኑ ብቑሪ ኽቕረፍ ስለ ዘጋጠሞ፡ ሻርባታቱ ዘርጊሑ ኣልበሶ።

ሓፌድ ዝሰርሖ ስራሕ'ኳ እንተኣሕፈሮ፡ ኣድጉ እናኾብኮበ ናብ ጎይታኡ ንምምላስ ጒዕዞኡ ቐጸለ። ኣብ ኩሉ መንገዱ ኸኣ ብኾኾብ ይዕጀብ ነበረ።ጴጥሮስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፌድ ንዝተፈጸመ ተኣምር ኣስተውዒሉ ፍሉይ ትርጒም ኣሕደረሉ፣ “ፍሉይ መልእኽቲ ኣምላኽ እዩ።" ዝብል ሓሳብ'ውን ኣብ ኣእምሮኡ ሓደሮ።

እታ ቐደም ንኡ ብሓደራ ዝተወሃበቶ ዓሰርተ ጥንታውያን ናይ ብራና ጥቕስታት ዝሓዘት ሰነድ፡ ንሓፌድ ኣረከቦ።ሓፌድ፡ ዝጠቕሞን ሕልሙ ክዉን ንምግባር ዝሕግዞን ጥበብ'ዩ ረኺቡ።

ሓፌድ፡ ነዞም ናይ ጥበብ ምስጢራት ኣብ ግብሪ ኣውዓሎም'ሞ 'ዝበለጸ ነጋዳይ ናይ ዓለም' ኰነ። ስለዚ እዞም ንኡ ዓወት ዘጨበጥዎ ጥበባት፡ ንዓና'ውን ዓወት ንኸጨብጡና፡ እዛ መጽሓፍ ድልውቲ ገበርዋ።

ኩላትና ነጋድያን ከም ምዃንና መጠን፡ ዓወት ናይ ነፍሲወከፍና ዝልካዓሉ፡ ገዛእ-ርእስና ንጹር ገይርና ንዕዳጋ ብዝቐረብናዮ መጠን እዩ። ማዕረ ኽንደይ ኢና ንገዛእ-ርእስናን ንኻልኦትን እንሰማማዕ፧መልሱ ብዝጸዓርናዮ መልክዕ ይልካዕ።

ካብ መጽሓፍ “እቲ ዝበለጸ ነጋዳይ ኣብ ዓለም"

ትርጉም- ረሓሰ ዕቕባሚካኤል