ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና

€35.00

ማኪያቬሊ
THE TEACHER OF PRINCES
Machiavelli was the first person to study objectively, with what we might now call a scientific attitude, politics and government as they are actually practiced.
ተሃድሶ ዋላ’ኳ ኣገደስቲ ክልሰ ሓሳባያውያን ፈላስፋታት እንተዘይኣፍረየ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ኒኮሎ ማኪያቬሊ ዝተባህለ ሓደ ዓቢ ውሩይ ሰብ ፈጢሩ እዩ። ኒኮሎ ዲ ቤርናንዶ ማኪያቬሊ ካብ 1467-1527 ዝነበረ፡ ናይ’ቲ ኣብ ምምዕባል ዝነበረ ብርጁዋዊ ስነ-ሓሳብ ዘንጸባርቕ፡ ኢጣልያዊ ፖለቲከኛን ፈላስፋን’ዩ። ብናይ ማኪያቬሊ ኣረኣእያ ናይ ሕብረተሰብ ምዕባለ ዝውሰን ብናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ዘይኮነ፡ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያታት ክኸውን ከሎ፡ ናይ ታሪኽ ደፋእቲ ሓይልታት ነገራዊ ጥቕምን ባህጊ ስልጣንን እዮም። እዚ ብምዃኑ ኣብ መንጎ ተራ ህዝብን ገዛእቲ ደርብታትን ዘይተርፍ ናይ ረብሓ ግጭት ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።
ከም ናይ ማኪያቬሊ ኣተሓሳስባ፡ ገዛኢ ደርቢ ልዕልነቱ ክሕሉ ዝኽእል ካብ ሓድሕዳዊ ግርጭት ናይ መስፍናዊ መኳንንቲ ርሒቑ፡ ሃገራዊ መሰረት ዘለዎ ስልጣን ምስ ዝምስርት እዩ። እቲ ቀንዲ ቁም ነገር ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዕዉት ኮይንካ ምውጻእ ብምዃኑ፡ ናይ ፓለቲካ ሰብ ነዚ ውጺኢት ንክረክብ ብዝኾነ ዓይነት ጥበብ ሓሶት፡ ጭካነ፡ ሓይሊ ወዘተ ክጥቀም ኣለዎ፡ ብምባል ንፖለቲካዊ ካብ ሞራላዊ ኣመለኻኽታ ወጻኢ ንምግባሩ ጽዒሩ። ብ ኣጠቓላሊ እንበኣር ናይ ማኪያቬሊ ታሪኻዊ ኣስተዋጽኦ፡ መንግስቲ ክኸውን ካብ ዘለዎ ዘይኮነ ብክውንነቱ ንምርኣይ ዝገበሮ ጻዕሪ እዩ።
ፖለቲካዊ ፍልስፍንኡ ስነ-ፍልጠታ’ውን ተሞክሮኣ’ውን ኮይኑ፡ ኣብ ናቱ ተሞክሮ ኣዊ ጉዳያት ዝተሰረተ፡ ብኸመይ ብጺሕካዮ ብዘየገድስ እቲ ሕቶ ኣብ መወዳእታ ብጽቡቕ’ዶ ብሕማቕ ተዛዚሙ ዝርኢ ብምንባሩ፡ ንብዙሓት ዓማዊሉ ኣሰንቢዱ። ብዙሓት ድማ ብምትላል ናብ ድልየትካ ምብጻሕ ዝብል ኣመለኻኽታ ከም ውድዓዊ ተርእዮ ክማጎቱሉ ተራእዮም።
ማኪያቬሊ ኣብ ፍሎረንቲን ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ኡ ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮ ኪኢላ ሕጊ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ዕስራታት ኣብ ዝነበረሉ፡ ፍሎረንስ ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ሳቨናሮላ ዝነበረትሉ ኮይኑ፡ ከም መር ኣያ ናይ’ቲ ሕማቕ ናይ መወዳእታ እዋናቱ፡ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ማኪያቬሊ ሓዲጉ።
ድሕሪ ምርሻን ሳቨናሮላ፡ ማኪያቬሊ ኣብ 1498 ኣብ መንግስቲ ፍሎረንቲን ንእስ ዝበለ ሓላፍነት ሒዙ። ክሳብ’ቲ ኣብ 1512 ናብ መዲስ ዝምለስ ከኣ ከም ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ብቐጻሊ ንዕኦም ይቃወም ስለዝነበረ ታኣሲሩ፡ እንተኾነ ነጻ ተባሂሉ ተፈቲሑ። ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ጥቓ ፍሎረንስ ካብ ስራሕ ተገሊሉ ከነብር ተፈቒድሉ። ከም ደራሲ ኮይኑ ድማ ቀጺሉ። ካብ’ቶም ህቡባት ስራሓቱ ድማ ፕሪንስ ትብል ኣብ 1513 ዝጸሓፋ ኮይና ንመዘከረታ ሎረንሶ ካላኣይ ዘወፈያ እያ።
መጽሓፍ ታሪኽ ምዕራባዊ ፍልስፍና
ገጽ 180-181